ብዙሓት ሰባት ስእነት ኣራኽቦ/ግዜ ትበሃል ፍልጥቲ ጸገም ኣላቶም። ተደራረብቲ ክዓሙዎም ዝግባእ ዕዮታት፣ ከምኡ'ውን ብሰንኪ ግዜ ንኹሉ ጉዳያት ክውግንዎ ዘይምኽኣሎም ድማ ሕልናዊ ጣዕሳ ይፈጥረሎም። ኣብ ሂወትኩም ቀዳምነት ትህቡዎም ጉዳያት ዝሓዘ መደባት ይሃልኹም። ኣብቲ መደባትኩም ድማ ንስራሕ፣ትህደስሉ ግዜ፣ውሕስነት ዝስመዓኩም ግዜ፣ ምስ ናጽነቱ ንኹሉ ዘማእከለ ሃዋሁው ትረኽብሉ ግዜ ምምዳብ ይከኣል ኢዩ።
ጉዳይ ጥዕናኹም ብዕቱብ ሓዝዎ
ካብ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ተብተብ ምባል፣ ግዜ ዝወሰደ ቀሊልን ጽቡቕን ዝለመድካዮ ኣሰራርሓ ክህሉ ኣገዳሲ ኢዩ። በብግዚኡ ዝግበር ኣካላዊ ምንቅስቓስን ስፖርትን፣ ሰዓቱ ዝሓለወ ኣመጋግባን፣ መዓልታዊ እኹል ድቃስን ቀዳምነት ሃብዎ። ክንክን ሕልናዊ ጥዕናኹም'ውን ኣይትረስዑ። ገደብ ይሃልኹም፣ ሓገዝ ምስዘድልየኩም ሕተቱ፣ ኣብቲ ጻዕቂ ስራሕ ዝበዘሖ እዋን ነቲ ዝተረፈኩም መታን ከተርክብሉ ዕረፍቲ ውሰዱ።
ምስ መቓርብትኹም ዝኾኑ ሰባት ዘለኩም ርክባት ስጡም ግበርዎ
ምስቶም ክትረኽብዎም ትደልዩዎም ሰባት ነዊሕ ግዜ ብሓንሳብ የሕልፉ። ስጡም ቅርበት ደጋፊ ክትረኽቡ ይሕግዝ፣ ውሕስነትን ዝበለጸ ዕጋበት ሂወት'ውን ይህበኩም። ቅርበትኩም'ውን ምስ ግዜ ክህደሱ ከምዘለዎም ኣይትረስዑ። ማሕበራውን ኣካላውን ንጥፈታት ንተቓላዕነት ጸገም ጽምዋን ስነኣእምርኣዊ ስቅያትን ንምቕናስ ኣገዳሲ ኢዩ። ናብ ማሕበራዊ በዓላትን ባህላዊ መራኸቢ ጉዳያትን ብዝተኸኣለ መታን ብዙሓት ሰባት ክሳተፉ ጎራብትኹምን ትፈልጥዎምን ዓድምዎም።
ሓዱሽን ዝጠቅምን ነገር ፍጠሩ
ኣብ ወለንታዊ ስራሕቲ ምስታፍ ዘለኩም ግዜን ተሞኩሮን ኣብ ሓደ ጠቓሚ ነገር ከተውዕሉዎ ይሕግዝ። ብተመሳሳሊ ሕጉሳት ንኽትኮኑን ሓደ ነገር መሊኸዮ ኣለኹ ዝብል ስሚዒት ስለዘሕድር ዕጋበት ሂወትኩም የዕብዮ። ወለንታዊ ንጥፈት ጥንኩር ሕብረት ንኽትፈጥር ይሕግዝን፣ ሓዱሽ ማሕበራዊ ርክብ ብምምዕባል ንውልቃውን ሞያውን ምዕባለ ይሕግዝ። በዚ መንገዲ ኣቢልኩም ድማ ኣብቲ ማሕበረሰብ ጠቓሚ ዝኾነ ሓዱሽ ነገር ንኽፍጠር ተበርክቱ ኣለኹም ማለት ኢዩ።
ውልቃዊ ቁጠባኹም ከመይ ከምዘሎ ፍለጡ
ኣቐዲምኩም ኩነታት ቁጠባኹም ፍለጡ። ሰልድኹም ኣብ ምንታይ ተውዕልዎ ከምዘለኹም፣ ኣየናይይ ወጻኢታት ክትኣልዩዎ ከምትኽእሉ፣ ከምኡ'ውን ቁጠባዊ ዓቕምኹም ፍለጡ። ንውልቃዊ ሂወትኩም ዝጥዕም ባጀት ኣዳልዉ። ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ክትበጽሕዎ ትደልዩዎ ዕላማ መደብ ኣዳልዉ። ንመሐለውታ ኣብ ባንኪ ዝዕቆር ገንዘብ ወይ ኣብ እዋን ጡሮታ ትጥቀምሉ ውህሉል ገንዘብ ጠቓሚ ኢዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግና ቁሩብ ነብስኹም ክትሕጎስ'ውን ኣፍቅዱላ። ቁጠባኹም ዝምልከት እኹል ኣፍልጦን ጽቡቓት መደባትን እንተለኩም ንባዕልኹምን ኣብ ቀረባኹም ንዘለዉ ስድራኹምን ውሕስነትን ይፈጥር፣ ዝደለኹሞ ንኽትገብሩ ድማ ዕድል ትረኽቡ።
መደባት መጻኢ ይሃልኹም
ብዝተኻኣለ ኣበይን ከመይን ክትነብሩ ከምዘለኩም ምሕሳብ ብልሒ ኢዩ። ምኽንያት ትምኒትኩም እንታይ ኢዩ። እታ ገዛኹም ድማ ውሕስነት ትረኽቡላ ቦታ ኮይና ከምታ ትጥዕመኩም ትነብሩላ ክትከውን ኣሎዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘድልየኩም ነገር ካብ ምሕሳብ ብተወሳኺ ንዝመጽእ ግዜ'ውን መደባት ምሓዝ ዝበለጸ ኢዩ። እዛ ትነብሩላ ዘለኹም ገዛ ኣብ እርጋንኩም'ውን ክትነብሩላ ትደልዩዋ ድያ? ሕጂ ሙሉእ ጥዕና፣ ምስ ንእስነትኩምን ሙሉእ ጉልበትኩምን ኣብ ዘለኹምዎ እዋን ንመጻኢ ኣብዚ ገዛ ምንባር ወይ ናብ ካልእ ምስ ኩነታትኩም ዝተመዓራረየ ገዛ ምግዓዝ የድሊ እንትኾይኑ ብእዋኑ እንተሓሰብኩምሉ ዝቐለለን ዝበለጸን ኢዩ።